top of page

ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ
ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስዮስ ካብ ኣቦኦም ስብሓትለአብ በርሀን ኣደኦም ወይዘሮ ኣብርሃት ኃይለን ኣብ ዓዲ ገረብእኖ
ብ13 ሰኔ 1935 ዓ.ም.ግ (20/06/1943 ዓ.ም.ፈ.) ተወልዱ። ኣገልጋሊ እግዚአብሔር ንክኾኑ ስሞም ‘ገብረ
እግዚአብሔር’ ተባሂሎም ኣብ ኣርብዓ መዓልቶም ኣብ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን (ገረብእኖ) ተጠሚቖም ጸጋ
ጥምቀት ተቐበሉ። ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ምስ ሥድራኦም ዓብዮም፡ ዕድሜኦም ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ፡ ናብ ገዳምደብረ ቢዘን ኣተዉ።
ብዝያዳ ካብ የኔታ ገብረ መስቀል ንባብ ግእዝን ጸዋትወ ዜማን ጸሎተ ሰዓታትን ኣዕማደ ምሥጢርን ተማህሩ። ብ1950 ዓ.ም.(1957 ዓ.ም.ፈ) መዓርገ ዲቁና ካብ ኣቡነ ማርቆስ ቀዳማይ ጳጳስ ዘኤርትራ ኣብ ደብረ ቢዘን ተሠይሙ።

መንፈሳዊ ትምህርቲእናተማህሩን ብርድእና እናኣገልገሉን ጸኒሖም፡ ኣብ 1955 ዓ.ም. (1963 ዓ.ም.ፈ.) ኣስኬማ ዘመላእክት መዓርገ ምንኩስና ካብመምህር ተወልደብርሃን (ደኃር ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ፊልጶስ ቀዳማይ ፓትርያርክ) ተቐቢሎም ‘ኣባ ገብረእግዚአብሔር’ ተባህሉ።
ቀጺሎም’ውን ብ1956 ዓ.ም. (1964 ዓ.ም.ፈ) ብኢድ ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ኣብ ኣሥመራ መዓርገ ክህነት ተቐብኡ።
ኣባ ገብረ እግዚአብሔር፡ ካብ ገዳሞም ወፂኦም ክኃድሩ ዘይገብረሎም እኳ እንተኾነ ምጡቕ ፍቅረ ቃለ እግዚአብሔር ኃዲርዎምናብ ደብረ ኣባይ ከይዶም መዝገብ ቅዳሴ ካብ የኔታ የኋላሸት ኣጽፊፎም ተማህሩ። ብ1961 ዓ.ም. (1969 ዓ.ም.ፈ) የኔታ የኋላሸትመሪቖምን ምስክርነት ወረቐት ሂቦምን ምስ ኣፋነውዎም ናብ ገዳም ደብረ ቢዘን ተመልሱ።

ወንበር ዘርጊሖም ጉባኤ ሠሪዖም ን8ዓመት ዝኣክል ብመምህርነት ብዙኃት ተማሃሮ መሃሩ። ብሓፈሻ ኣብ ዝተፈላለዩ ተልእኾ ገዳም ‘ሥጋይ ንማኅበር ነፍሰይንእግዚአብሔር’ ብምባል ንዓመታት ብትግሃትን ተወፋይነትን ኣገልገሉ።
ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ፊልጶስ ቀዳማይ ፓትርያርክ ዘኤርትራ ብዝሓተትዎ መሠረት፡ ኣቦታት ገዳም ደብረ ቢዘን ንኣባ ገብረእግዚአብሔርብረድእነት ከገልግሉ ለኣኽዎም። ትእዛዝ ገዳም ኮይንዎም ከይፈተዉ ካብታ ዝፈትዉዋ ገዳም ደብረ ቢዘን ናብ ኣሥመራ መጺኦምምስ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ፊልጶስ ኣብ ዝወዓልዎ እናወዓሉ ኣብ ዝኃደርዎ እናኃደሩ ክሳዕ ጊዜ ዓረፍቶም ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመታትኣገልገሉ።
ብድኅሪ ዕረፍቲ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ፊልጶስ ቀዳማይ ፓትርያርክ ዘኤርትራ ብቅዱስ ሲኖዶስ ተመዲቦም ኣብ ዝተፈላለየ ሓዋርያዊ ዕዮከገልግሉ ከለዉ ብፍላይ ኣብ ሀገረ ኬንያ ኣብ ዝጸንሑለን ክልተ ዓመትን መንፈቕን ሕዝበ ክርስቲያን ኣብ ምጥርናፍ፣ ተማሃሮ ኣብምምሃር ዓቢይ ሥራሕ ፈጸሙ።

ብመንፈሳውነቶምን ኣገልግሎቶምን ምስ ካልኣዮም ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ተኃርዮም ብ10 ሓምለ 1997 ዓ.ም.ግ.
(17/07/2005 ዓ.ም.ፈ.) ብብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሣልሳይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ቅድስት ማርያምቤተ ክርስቲያን ኣሥመራ ሥርዓተ ሢመት ጸሎተ ተቀብኦ ተፈጺሙሎም ‘ኣቡነ ኣትናቴዎስ’ ተባሂሎም መዓርገ ጵጵስና ተቐብኡ።
በዚ መዓርገ ጵጵስና ድማ ን9 ወርኂ ኣብ ሃገረ ኢጣልያ፣ ን7 ዓመት ድማ ኣብ ሃገረ ጀርመን ተቐሚጦም ከምጳጳስ ሃገረ ስብከትኤውሮጳ ኮይኖም ኣገልጊሎም።
ብድኅር’ዚ ብፍቓድ ሲኖዶስ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ጳጳስ ሃገረ ስብከት ጋሽ ባርካ ኮይኖም ድኅሪ ምግልጋል ቀጺሎም’ውን ክሳዕ ዕለተ ዕረፍቶም ከም ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ ኮይኖም ከገልግሉ ጸኒሖም። ብተወሳኺ’ውን ብተልእኾ ቅዱስ ሲኖዶስ ደኺምንን ሰልኪንን ከይበሉ ዝነበሮም ጥዕናዊ ጸገማት ብምጽዋር ናብ ሀገረ ስብከት ኣሜሪካን ካናዳን፡ ሀገረ ስብከት ኤውሮጳ፡ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃን ሃገረ እስራኤልን . . . በብእዋኑ ሓዋርያዊ ተልእኾኦም ዝፈጸሙ ብቑዕን ትሑትን የዋህን ኣቦነይሮም።

ብሓፈሻ ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ፡ ንሕዝበ ክርስቲያን ብቃለ እግዚአብሔር ኣብ ምጕሳይ፣ ውሉደ ካህነት ኣብ ምሥያም፣ ኣርድእት ኣብ ምምንካስ፣ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ምብራኽ፣ ኣብያተ ክርስቲያናት ምስ ግድምነአን ብምትእስሳር ናይ መጸውዒ መዓርግ ኣብ ምሃብ፣ ሓደስቲ ዝሕነፁ ኣብያተ ክርስያናት እምነ መሠረት ኣብ ምንባር . . . ንቤተ ክርስቲያን ዝፈጸምዎ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ንወለዶታት ተሳጋጋሪ ኣብ መጽሓፈ ሕይወት ዝሰፈረ እዩ።
ብሓፈሻ ብፁዕ ኣቦና፡ ንኣስታት 50 ዓመት ብተልእኾ ገዳም፡ ን13 ዓመታት ከኣ ብመዓርገ ጵጵስና ንቤተ ክርስቲያን ብትግሃትን ብቅንዕናን ኣገልጊሎም።

ብፁዕ ኣቦና ብፍላይ ካብ ዝኃለፈ ሽዱሽተ ወርኂ ኣትኂዙ ብዝኃደሮም ውሽጣዊ ሕማም ኣብ ውሽጥን ወፃእን ሃገር ኽሕከሙ ጸኒሖም እዮም። እንሆ ድማ ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “በድርየኒ ፈጸምኩ/ ጕያይ ፈጺመ እየ’ (2ይ ጢሞ. 4፡7) ዝበሎ፡ ኣብ ኦሮታ መወከሲ ሆስፒታል ኣሥመራ ሕክምናዊ ኣገልግሎት እናተገብረሎም ከሎ ዓርቢ 09 ግንቦት 2011 ዓ.ም. (17/05/2019 ዓ.ም.ፈ.) ምሸት ሰዓት 10፡00 ድ.ቀ ኣብ መበል 76 ዓመት ዕድመኦም ብሰላም ዓሪፎም።
በረከት ብፁዕ ኣቦና የኅድረልና!
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

bottom of page